Watch Eritrean Orthodox Tewahdo Mezmur {{ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ }} Abune Gebre MenfesKdus on WongelTube Ethiopian Orthodox Tewahido Website
ምስጋና ሥላሴ መክፈቲ ልደትካ
ሰማያዊ ፀምሪ ግርማዊ ትርኢትካ
ገብረ መንፈስቅዱስ ፃድቅ ወብእሲ ኅሩይ
ዋካ ቤቱ ለወልድ ክብረ ዑንቂ ጽሩይ(2)
ሱባኤ ቤት ስምኦን ስሙር ጸሎተ ልሳኑ
ሰማየ ሰማያት ዓሪጉ ኣይተረፈን በኒኑ
ዝተቀብአት ማህጸን ኣቅላስያ ንዓኻ ብምውላዳ
ተመስገን ኢልና ንሥላሴ ብርሃን ምስኮነልና ኣደዳ
ኣባ ጸሊ(2) በእንቲኣነ ጸሊ
ለሃገሪትነ ፊቅራ ወ ሰላማ
ገብረ ሂወት ጸሊ እስመ ኩሉ ለቤቱ ይሄሊ
ዓለም ከተስተንክር ብግርማ መፈጠርካ
ስሳ ኣናብስት ስሳ ኣናብር እንክስዕቡ ኣሰርካ
መንክር ሙኻኑ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ቅዱሳኑ
ኣይድነቅን ኣነስ ብግብሩ ልበይ ምስ ተሓትኩ ኣሚኑ
ኣባ ጸሊ(2) በእንቲኣነ ጸሊ
ለሃገሪትነ ፊቅራ ወ ሰላማ
ገብረ ሂወት ጸሊ እስመ ኩሉ ለቤቱ ይሄሊ
ከም ምድራዊ መልኣኽ ኣብ ማእከል ደቂ ኣህዛብ
ብክንፈ ደመና በሪርካ መና ወንገል ክትምግብ
ት’ናይ መድረኽ ሞት ገድልኻ ፍጹም ተበጃውነት
ኣስር ክርስቶስ ኣትሒዙና ጎደና ጽድቂ መሪሕ ድሕነት
ኣባ ጸሊ(2) በእንቲኣነ ጸሊ
ለሃገሪትነ ፊቅራ ወ ሰላማ
ገብረ ሂወት ጸሊ እስመ ኩሉ ለቤቱ ይሄሊ
ብገንዘብ ዓመጻ እሙን ዓርኪ ንዝበለ
ብዝኽሪ ጸበልካ ሕፍኒ ማይ ንዝጸምአ ዘጥለለ
ልዑል እግዚኣብሔር ሚሒሉ ኣብ ዝተኸሎ ኪዳን
ዓስቢ በረኸትካ’ዩ ስንቁ ኣብ ምጽኣቱ ዝለብሶ ብርሃን
ኣባ ጸሊ(2) በእንቲኣነ ጸሊ
ለሃገሪትነ ፊቅራ ወ ሰላማ
ገብረ ሂወት ጸሊ እስመ ኩሉ ለቤቱ ይሄሊ
‘ዘተወክፈ ጻድቀ በስመ ጻድቅ ዐስበ ጻድቅ ይነሥእ/ንጻድቕ ብስም ጻድቕ ዝቕበል ዓስቢ ጻድቕ ይረክብ።’ ማቴ. 10፡41
አዳዲስ የኦርቶዶክስ ተዋህዶ መዝሙሮች እና ስብከቶችን ይመልከቱ:: ለጉዋደኞችዎም በማካፈል ሃይማኖትዎን ያስፋፉ: ያጠንክሩ: ወንጌልቲዩብ የተዋህዶ መዝሙር ድረ-ገጽ
Watch Latest Ethiopian Orthodox Mezmure and Sibket Videos – Share this video with your friends to spread the word of God and strength Ethiopian Orthodox Tewahido.
Like WongelTube on Facebook. Don’t Miss the new Mezmur.